Coming Up Mon 6:00 PM  AEST
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ።

Source: Ethiopia

ሰማዕትና ሰማዕቲ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ል ኡኽና ካብ ኢትዮጵያ ሓጸርቲ ጸብጻባት ናይዚ መዓልቲ ሰዲዱልና ኣሎ ኣርእስቲ ጸብጻባት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ።እቲ ኩባንያ ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ብፍርቂ ናብ ውልቀ ክዛወር ተሓሲቡ ሓደ ዘቤታዊ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካል ሰነድ ጨረታ ከም ዘእተዉ ተገሊጹ ኣሎ። ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስተመልሱ፣ ካብ ትግራይ ዝኸዱ፣ ኣብ ታሕተዋይ ጸፍሒ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ዝርከቡዎም ልዕሊ 700 ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተሰሚዑ።ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ፀገማ ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ውሑስ ክወጹን፣ ቀረባት ክወሃብን ዝጠልብ ሰልፊ ዜግነት ኤርትራን ኣሜሪካን ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ኣነስትዮ ኣካይደን።ልዕሊ 100 ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም።ውግእ ኣብ ትግራይ ምስተጀመረ ተመምዮም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ሽሕ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።ዝርዝር ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ። 29/04/2021 06:36 ...
ዕለታዊ ዜና 24 ሰነ 2021 SBS ትግርኛ 24/06/2021 15:09 ...
ዉሕ ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ንደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ትግራይ ኮኒኖም፡ ሓይሊታት ትግራይ ድማ ነፋሪት ኣውዲቖም። (ካብ ጸብጻብ) 24/06/2021 09:35 ...
ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዝረኸቡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣሻሓት ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ከይኣትዉ ብምሽጋሮም ኣብ ሰንፈላል ወዲቖም ይርከቡ። 24/06/2021 03:57 ...
"ኣብይ፡ እዚ ምርጫ ከድሕኖ ከምዘይክእል ፈሊጡ'ዩ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከይወጽእ ዝደሊ" ሰናይ ገ/መድህን 23/06/2021 23:38 ...
ቅነ ናይዶክ (NAIDOC) ምሕዋይ ሃገር፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 23/06/2021 07:57 ...
"ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣየመሓየሸትን፡ ብተወሳኺ ናብ ጎሮቤት ከይዳ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣስፊሓቶ፣” ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ዉሕሃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ 23/06/2021 04:32 ...
ውዕሎ ምድማጽ መረጻ ኣብ ሸውዓተ ክልላትን ክልተ ርእሰን ዘመሓድራ ከተማታትን ኢትዮጵያ። 22/06/2021 06:51 ...
ዕለታዊ ዜና 21 ሰነ 2021 SBS ትግርኛ 21/06/2021 13:14 ...
ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ ዝግበር ምምላስ ስደተይናታትን መቕተልትን ተቓዊሙ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ) 21/06/2021 03:42 ...
View More