ሓ/ትግራይ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ድማ ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ክወጹ ኣሜሪካ ጸዊዓ።

Homeland News

Source: Getty Images

ሓጸርቲ ጸብጻብ፥ ሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝግበር ጠቐነ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ፤ ክወጹ ኣሜሪካ ጸዊዓ። ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝርከቡዎም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ዝነበሩ ትካል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣገዱ ገሊጾም። ዝሓለፈ ሰሙን ጁቡቲ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትዋሰነሉ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ሶማልን ብዝተወለዐ ጎንጺ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዓቃቢ ሕጊ ጁቡቲ ተዛሪቡ።



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now