ልዕሊ 10,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ሕጻጽ ብኸመይን ንምንታይን ናብ ኤርትራ ተወሲዶም? ካብቶም ዝወዓሉ እተላእከ ጽሑፍ።

Source: SBS Tigrinya
እዚ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት በዚ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ኲናት ዘጋጠሞም ነገራት ነቃልሖ ዘለና መደብ እዩ። ንሎሚ ካልእ ዉጻእ መዓት ስደተኛ ነቲ ፍጻመታት ብዕለታት ኣደጊፉ ዝለኣኸልና ጽሑፍ’ዩ ክቐርብ። ኣብ መደበር ስደተኛታት ሕጻጽ ብዝተፈላለዩ ሰባት ይግለጽ ከምዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ክልተ ሳዕ ናብቲ መዓስከር ከምዝኣተዉን፡ ኣብቲ ካልኣይ ልዕሊ10,000 ሰባት ካብቲ መዓስከር ከምዝወጹ እዩ። እዚ ነዚ ጽሑፍ ዝለኣኸልና፡ ካብቶም ኣብ ካልኣይ ግዜ ምስኩሎም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ተወሲዱ ድሕሪ ምጽናሕ ምስካልኦት ዉሑዳት ሰባት ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ካብዝኣተው ሓደ እዩ። ነዚ ዝመሳሰልን ቅሩብ ፍልልያት ዘለዎን ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክቐርብ እዩ። ንሎሚ ናብቲ ዝተላእከልና ጽሑፍ ከስግረኩም።
Share