Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.
ኣውስትራሊያ ንዓመተ 2026 ክትቅበላ ትሸባሸብ

Fireworks over the Sydney Opera House and Harbour Bridge during New Year’s Eve celebrations Jan 1 2025 Source: AAP / BIANCA DE MARCHI/AAPIMAGE
ከተማ ሲድኒ ኣብ ዓለም ትፍለጠሉ ህቡብ ምርኢት ርችታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት፡ 2026 ምእታዋ ከበስር'ዩ፡ እንተኾነ ግን ጽምብላት ናይ'ዚ ዓመት ቁሩብ ፍልይ ዝበሉ ክኾኑ'ዮም - ንመጥቃዕቲ ሽበራ ቦንዳይ ተኸቲሎም ኣባላት ፖሊስ ነዊሕ ሰደፍ ዘለዎም ብረታት ክስከሙ ስለዝኾኑ። እቶም ካልኦት ከተማታት ድማ ንሓድሽ ዓመት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ብርችታትን ሙዚቃን ኣብ'ቶም ፍቱዋትን ህቡባትን ቦታታት ኣብ መላእ ሃገር ክቕበሉዋ'ዮም።
Share









