"ቻይና፡ ታይዋን ናብ ወላዲት ሃገራ ንምሕዋስ ዝከኣላ ኩሉ ንምግባር ድልውቲ እያ።" ኣምባሳደር ቻይና

ወተሃደራዊያን ነፈርቲ ቻይና ኣብ ምብራቓዊ እዚ ሰራዊት ሓርነት ቻይና (PLA) ናይ ሃባር ልምምድ ኲናት ኣብ ከባቢ ደሴት ታይዋን (ሰንበት, ነሓሰ. 7, 2022. (Gong Yulong/Xinhua via AP) Credit: Gong Yulong/AP
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣውስትራልያ ዢያ ኩያን [ሸ-ጉን ቺን] ብረቡዕ (10 ነሓ.) ንሃገራዊ ክለብ ፕረስ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ በይጂንግ ኣብ ልዕሊ እታ ርእሳ እትመሓደር ናይ ደሴት ታይዋን ግዝኣታ "ንድርድር ቦታ የብላን" ብምባል ፡ ንፌደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ ታይዋን ዝምልከት "ጥንቃቐ" ገይሩ ክርእዮ ገሊጹ። ድሕሪ እቲ ናይ ኣመሪካ ወሃቢት ቃል ባይቶ ናንሲ ፐሎሲ ናብ ታይፐይ ዝገበረቶ ምብጻሕ ፡ ኣብቲ መጻብቦ ታይዋን ውጥረት ሰፊኑ ይርከብ ።
Share