"እዚ ስልማት'ዚ ንዓይ ከቢድ'ዩ።" ፕሮ/ግርማይ ነጋሽ ተዓዋቲ ስልማት ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ፐን ኤርትራ 2021

Source: Ghirmay Negash
ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ዩኒቨሪሲታትን ከምኡ'ውን ክሳብ ዝዕጾ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲውን ኣብ ፈለማ ተስዓታትውን ከም መምህርን ተመራማሪን ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ፕሮፌሰርን ዳይረክተር ናይ ኣፍሪቃ ፕሮግራምን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ብቋንቋ እንግሊዝን ትግሪኛን ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ዝተርጎመን እዩ። ኣብቲ በብዓመቱ ብፐን ኤርትራ ዝዳሎ ሽልማት ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ፐን ኤርትራ 2021 ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ። ምስኡ ዝገበርናዮ ጻንሒት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Share