ኣብ ወጻኢ ክምስረት ብዛዕባ ዝተሓስበ ናይ ደገ መንግስቲ፡ ካብ ኣበገስቱ ኣቶ ሳልሕን ካብ ተቓወምቲ ናይቲ ሓሳብ ኣቶ በየነ ዝተገብረ ዝርርብን (ኣብ 2021 ካብዝቐረቡ ትሕዝቶ)

Saleh Johar Gadi and Beyene Ghebregziabher Source: SM
ኣብ 2021 ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ገለ ኤርትራዊያን፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ላዕሊ ታሕቲ ክብሉ ተራእዮም ኔሮም። ፈለማ ካብቶም ኣበገስቲ ናይዚ ሓሳብ ዝኾኑ ኣቶ ሳልሕ ጆሃር ቓዲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓቲትናዮ ኔርና። ብድሕርዚ ነቲ ሓሳብ ካብ ዝተቓወሙ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኣቦ መንበሩ ዝኾነ ኣቶ በየነ ገረዝግሄር ርእይቶኡ ሂቡና ኔሩ። ነቲ ኣብዝተፈላለዩ እዋን ዘቕረብናዮ ገለ ካብ ትሕዝቶታቱ ኣካል ኣብዚ ዓመት ብብዝሒ ካብዝተሰምዑ መደባትና ጸሙኢቕና ኣቕሪብናዮ ኣለና። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ምሉእ እቲ ቃለ መሕትት ዘይምዃኑን ኣብዝተፈላለየ እዋናት ዝቐረበ ምዃኑን ደጊምና ክንሕብር ንፈቱ።
Share