ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ፖውል ኬሊ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፡ ማለት መዓልታዊ ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ብዘየገድስ፡ ዒላማታት ብዝሒ ክታበታት ይወቕዑ ጥራይ እምበር ቀይድታት ክለዓሉ ክጅምሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ይድግፎ ኣሎ። ገለ ካብ’ተን ግዝኣታትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ግን እቶም ካብ 70 ክሳብ 80% ኣብ በጽሒ ዕድመ ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን ምሉእ ብምሉእ እንተተኸቲቦም እቶም ቀይድታትን መዕጸውትታትን ብሓቂ ክኽፈቱ ድዮም ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዮሞ ኣለው፡ እቲ ነዚ ግምትን ኣንፈትን ዝሃበ ብትካል መጽናዕቲ ዶሀርቲ ዝቐረበ ቅርጸ ትንበያ/ሞዴሊንግ መሰረት ኣብ ማሕበረሰብ ትሑታት ቁጽሪ መልከፍቲ ክህሉ ዝብል ስለዝኾነ ብምባል የስምርሉ። ፕሮፌሰር ኬሊ ዝሃቦም ርእይቶታት ዝመጹ ዘለው ትማሊ ኮይኑ ኣውስትራልያ 917 ሓደስቲ መልከፍታት ኣብ ዘመዝገበትሉ መዓልትን 830 ካብ’ዚኦም ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝኾኑሉን እዋን’ዩ።
Share






