ትካላት ፋይናንስ ዓለም ንኢትዮጵያ ክህብኦ ዝሓሰብኦ ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ደው ከም ዘበላ ተሓቢሩ። (ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓድሕዳዊ ኩናትን፣ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ውጥጥን ንክሽምግሉ ቅሩብ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ህጻናት ዝርከቡዎም ተጋሩ ብኣልማማ ምእሳር ገዲዱ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ። ትካላት ፋይናንስ ዓለም ንኢትዮጵያ ክህብኦ ዝሓሰብኦ ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ደው ከም ዘበላ ተሓቢሩ። ንትግራይ ከይሓወስካ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
Share