ትካል ጥዕና ዓለም ብውግእ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ሚልዮናት ሰባት ንምድሓን ኩሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ዋ/ዳ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቡ።

Source: Getty Images
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ዓ.ም ዝህልዋ ጥቕሉል ፍርያት ሃገራዊ ዕቤት ( GDP) 4.8% ከኸውን ዝኣመተ ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF) ናይ ኢትዮጵያ ንምእማት ተጸጊመ ክብል ፍሊጡ። መራሕቲ ፖለትካን ሰራዊትን ትግራይ ኣብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ዝኸፈቶ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ዓብላሊ ዓወት ከም ዘመዝገቡ ይገልጹ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ካብ መራሕቲ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ጻዕዳ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ከዘራርቡ ወጢኖም። ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ሞንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ሲቪላዊ ተጻብኦታት ከም ዝተወለዐ ይግለጽ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
Share