ዕጡቓት ህወሓት ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀቲሎም ዝብል ክሲ መንግስቲ ክልልት ትግራይ ይነጽጎ። (ጸብጻብ)

Source: Getty Images
እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና፡ ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ክጅመር ምድላው ይግበር ኣሎ ተባሂሉ። ብኮቪድ 19ን ኩናትን ካብ ዝቋረጽ ልዕሊ ዓመት መንፈቕን ሓሊፉዎ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ዋሕዲ መግቢ ከጋጥሞም ይኽእል ዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ስደተኛታት ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዙ ኣለዉ ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ UNHCR ነጺጉዎ። 'ዕጡቓት ህወሓት' ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሎም ንዝብል ክሲ መንግስቲ ክ/ትግራይ: ስኑዕ ሓበሬታ ክብል ነጺጉዎ። 'ዕጡቓት ህወሓት' ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሎም ንዝብል ክሲ መንግስቲ ክ/ትግራይ: ስኑዕ ሓበሬታ ክብል ነጺጉዎ።
Share