ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀ/ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ ሰለስተ ሃገራት ዑደቱ ሎሚ ይጅምር። (ካብ ጸብጻባት)

Source: AAP
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዝጸንሑ ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ካልኦት ክልላት ብሰላም ነናብዓዶም ከም ዝተፋነዉ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከህብ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ርእሰ ከተማ ኣምሓራ ባህርዳር ሓዊሱ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጀን። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ጀፍሪ ፌልትማን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዘሳልጥዎ ናይ 10 መዓልታት ምብጻሕ ሎሚ ሰኑይ ይጅምር። ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ 19 ይገድድ ከም ዘሎ ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና።
Share