በዓል ኣሸንዳ 2013 ዓ.ም ብኣዋልድ ትግራይ ኣብ ግንባራት ውግእ ይጽምበል። (ጸብጻብ)

Source: Stringer
ኣርእስታት ዜና: በዓል ኣሸንዳ 2013 ዓ.ም ብኣዋልድ ትግራይ ኣብ ግንባራት ውግእ ይጽምበል። ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ልዕሊ 11 ዓመታት ዝዓጸወኦ ዶብ ንግዳዊ ንጥፈታት ከሰላስላሉ ይስማምዓ። ሓላፊት ዓለምለኻዊ ረድኤት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ኣብተን ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱለን ክልላት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 136 ሽሕ ሰባት ትካለን ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘቕረበ ብምግላጽ ዕጡቓት ህወሓት ካብተን ክልላት ወጺኦም ክላዘቡ ሓቲተን። ኣብ ትግራይ ምዝገባ ትምህርቲ ይጅመር ኣሎ ተባሂሉ።
Share