Timnit Gebru Source: Supplied / Timnit Gebruዶ/ር ትምኒት ገብሩ ናይ ኮምፒዩተር ሳይንቲስት እያ። ንሳ ካብ Stanford University ብሞያ ኤለክትሪካል ኢንጂኔርሪንግ ናይ PhD ዲግሪ ዝሓዘት ፍልጥቲ ሳይንቲስት እያ። ትምኒት ብዘይካ እቲ ኣብ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ወይ ኢንተሊጀንሲ፡ ኣብ ተክኖሎጂ ብዙሕነት ወይ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ጸለምቲን ኪኢላታት ኣብቲ ሞያ ተሳትፎ ክህሉ ትጣበቕ፡ በዚ መሰረት ካብ መስረቲ Black in AI ኮይና, ካብ 2013 ኣትሒዛ ኣብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ናይ ተክ ኩባኒያታት ከም ኣፕል፡ ማይክሮሶፍትን ካልእን ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2018 ኣትሒዛ ምስ Dr. Margaret Mitchell ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ብዛዕባ ከምጽኦ ዝኽእል ጽቡቕ ነገር ማለት ስነ ምግባራዊ ስራሕ እዚ ተክኖሎጂ ዝምርምር ጉጅለ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓለፍቲ ጉጉል ን ዶ/ር ትምኒት ሃንደበት ዝጀመረቶ ምርምር ከይወደኣት ካብ ስራሕ ክትወጽእ ጌሮማ። ኣብቶም ዓበይቲ መጺሀታት ዓለምና ስማ ካብቶም ቀዳሞት ተረቋሕቲ ኮይና እያ ብ Fortune ካብቶም 50 ዝበለጹ መራሕቲ ተባሂላ፡ ኣብ 2021 ትምኒት ገብሩ ካብቶም 10 ዝለዓሉ ንሳይንስ ቅርጺ ዘትሓዙ ተባሂላ ብ Nature ተሰይማ፡ ኣብ 2022 ድማ ካብቶም ዝለዓሉ ጸለውቲ ሰባት ዓለምና ናይ መጽሄት Time ኮይና። ብዛዕባ ዶ/ር ምኒት ብዛዕባ ሞያኣን ትሰርሖም ስራሓትን ብትግርኛ ኣዕሊላትና ኣላ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ስምዕዎ።
Published
By Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS
Skip to podcast episode content
Share this with family and friends
ዶ/ር ትምኒት ገብሩ ናይ ኮምፒዩተር ሳይንቲስት እያ። ንሳ ካብ Stanford University ብሞያ ኤለክትሪካል ኢንጂኔርሪንግ ናይ PhD ዲግሪ ዝሓዘት ፍልጥቲ ሳይንቲስት እያ። ትምኒት ብዘይካ እቲ ኣብ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ወይ ኢንተሊጀንሲ፡ ኣብ ተክኖሎጂ ብዙሕነት ወይ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ጸለምቲን ኪኢላታት ኣብቲ ሞያ ተሳትፎ ክህሉ ትጣበቕ፡ በዚ መሰረት ካብ መስረቲ Black in AI ኮይና, ካብ 2013 ኣትሒዛ ኣብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ናይ ተክ ኩባኒያታት ከም ኣፕል፡ ማይክሮሶፍትን ካልእን ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2018 ኣትሒዛ ምስ Dr. Margaret Mitchell ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ብዛዕባ ከምጽኦ ዝኽእል ጽቡቕ ነገር ማለት ስነ ምግባራዊ ስራሕ እዚ ተክኖሎጂ ዝምርምር ጉጅለ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓለፍቲ ጉጉል ን ዶ/ር ትምኒት ሃንደበት ዝጀመረቶ ምርምር ከይወደኣት ካብ ስራሕ ክትወጽእ ጌሮማ። ኣብቶም ዓበይቲ መጺሀታት ዓለምና ስማ ካብቶም ቀዳሞት ተረቋሕቲ ኮይና እያ ብ Fortune ካብቶም 50 ዝበለጹ መራሕቲ ተባሂላ፡ ኣብ 2021 ትምኒት ገብሩ ካብቶም 10 ዝለዓሉ ንሳይንስ ቅርጺ ዘትሓዙ ተባሂላ ብ Nature ተሰይማ፡ ኣብ 2022 ድማ ካብቶም ዝለዓሉ ጸለውቲ ሰባት ዓለምና ናይ መጽሄት Time ኮይና። ብዛዕባ ዶ/ር ምኒት ብዛዕባ ሞያኣን ትሰርሖም ስራሓትን ብትግርኛ ኣዕሊላትና ኣላ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ስምዕዎ።
Key Points
- ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ንስኻታት ህዝቢን ዓለምን ጠቓሚዶ ጎዳኢ፧
- ህይወት ሰባት ኣብ ቁጽጽር ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ድዩ ዝኣቱ ዘሎ፧
- ንምንታይ ካብ ጉግል ተባሪርኪ፧