ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2022)
ናይ ሎሚ ሰኑይ 15 ነሓሰ 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ዕለታዊ ዜና። ልኡኽና ካብ ዝሰደዶ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኲናት ዩክረይን እንተቐጺሉ ኢትዮጵያ 8 ቢልዮን ዶላር ክትከስር’ያ ተባሂሉ። ሕብረት ኣውሮጳ ሕጂ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ፀዊዑ። ኣብ ጸገም ዝወደቑ ኤርትራውያን ኣብ ጁቡቲ ፍታሕ ይደልዩ ኣለዉ። ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣለና ከነቕርቦ ኢና፣ ናይ ኮምፒዩተር ሳይንቲስት ዶ/ር ትምኒት ገብሩ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ካልኣይ ክፋል። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ክቐርብ እዩ።
Share