ጣሊባን ንካቡል ተቖጻጺሩ፡ ፕረ/ ኣሽራፍ ጋኒን ምዕራባዊያንን ካብ ኣፍጋኒስታን ይሃድሙ።

Taliban fighters take control of Afghan presidential palace after the Afghan President Ashraf Ghani fled the country, in Kabul, Source: AP
ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ተቘጻጺሩ ፡ ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ኣመሪካን ኩሎም ሓይሊታትን ወተሃደራዊ ህላወኦም ምስኣኽተመ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዓወት ከም ዘመዝገበ ተገሊጹ ። ናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል መንግስቲ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ጻዕርታት ንምዝርራብ ፤ ናይ ኣውስትራሊያ ዜጋታት ካብታ ሃገር ናይ ምውፃእ ስራሕ ንምውዳእን ናይ ኣፍጋኒስታንን ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ሰባት ንምውጻእ ዝምልከት ክእከብ እዩ ።
Share