ኣብ ኣውስትራሊያ ሰለስተ ሰንደቕ ዕላማ ሓቢረን ከምበልብላ ይረኣያ እየን: - ናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ባንዴራ: ናይ ህዝብታት ኣቦርጅን ባንዴራን ናይ ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር ባንዴራ ። ህዝብታት ኣቦርጅናውያንን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደርን ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ክልተ ፍሉያት ደቀባት እዮም ፣ ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ታሪኽ ፡ ባህሊ ፡ ቋንቋታትን ባንዴራን ኣለዎም ። ሰንደቕ ዕላማ ናይ ቶረስ ስትሪት ኣይላንደራት ፡ ኣብ ደሴታት ይንበሩ ኣብ ቀንዲ መሬት ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ይንበሩ ንመንነቶምን ንህላውነቶምን ዝገልጽ ሓያል ምልክት እዩ ።
- ናይ ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር ባንዴራ ካበይ'ዩ መጺኡ?
- ትርጉም ባንዴራ ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር እንታኣይ እዩ?
- ምስታ ባዴራ ምዕባይ ማለት እንታይ ይመስል?
- ነታ ባንዴራ ኣበይ ንርእያ?
- እታ ባንዴራ ንዝመጽእ ወለዶ እንታይ ትርጉሙ እዩ ክህልዋ?
ናይ ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር ባንዴራ ካበይ'ዩ መጺኡ?
ደሴታት መጻብቦ ቶረስ ወይ ቶረስ ስትራኢት ኣይላንድስ ፡ ካብ ኣብ መንጎ ጫፍ ከይፕ ዮርክ ኣብ ኲንስላንድን ክሳብ ፓፕዋ ኒው ጊኒን ዝርከባ እኩባት ደሴታት እየን ። እዘን ደሴታት እዚኣተን ስዕባ እየን:
- ሰሜናዊ ክፋል (ቦይጉ ፡ ዳዋን ፡ ሳይባይ)
- ምብራቓዊ ደሴታት (ኤሩብ ፡ ሜር ፡ ኡጋር)
- ምዕራባዊ ክፋል (ሴንት ፖልስ ፡ ኩቢን ፡ ባዱ ፡ ማቢያግ)
- ማእከላይ ክፍሊ (ማሲግ ፡ ፖሩማ ፡ ዋራበር ፡ ኣነማ)
- ደቡባዊ ክፋል (ተርስደይ ፡ ሆርን ፡ ፕሪንስ ዌልስን ሃሞንድ ኣይላስን ፡ NPA ከምኡ ውን ቀንዲ-መሬት ኣውስትራሊያ ።
ኣብ 1992 ፡ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ፡ ንህዝቢቶረስ ስትሪት ኣይላንድ ፡ ባንዴራ ንምድላው ውድድር ኣካየደ ። ኣብቲ ውድድር ፡ እቲ ካብ ቱርስዳይ ኢይላንድ ዝመጸ ኣንክል በርናርድ ናሞክ እዩ ተዓዊትሉ ።
ወዲ ኣንክል በርናርድ ናሞክ፡ በርናርድ ናሞክ ጁንየር ፡ ኣቦኡ ምሸት ንውድድር ዝኸውን ንድፊ ባንዴራ እናሰኣለ ይዝክሮ እዩ ።
ኣንክል በርናርድ ፡ እቲ ንውድድር ዘቕረቦን ዝተዓወተን ምልክት ህዝቡ ክኸውን ብዓይኑ ኣይረኣየን፡ እቲ ዉድድር ምስተወደአ ከይጸንሐ ሞይቱ ። በርናርድ ጅንየር ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ፡ በታ ሰንደቕ ዕላማ ኣብሉ ህያው እዩ ፣ ምሸተ ምሸት ድማ ኣቡኡ ነታ ባንዴራ ክስእላ ይዝክር፡

ትርጉም ባንዴራ ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር እንታይ እዩ?
ነፍሲ ወከፍ ሕብርን ምልክታትን ናይቲ ባንዴራ ትርጉም ኣለዎ:
- እቲ ቆጽለዋይ ንመሬት'ዩ ዘመልክት
- ሰማያዊ ንማያት መጻብቦ ቶረስ እዩ ዘመልክት
- ጸሊም ነቲ ኣብ ቶረስ ስትሬት ኣይላንደር ዝርከብ ህዝቢ የመልክት
- እቲ ጻዕዳ ዳሪ (ባህላዊ መመላኽዒ ርእሲ) ነቲ ኣብ ቶረስ ስትረይት ኣይላንድ ዝርከብ ባህላዊ መንነት የመልክት
- እቲ ጻዕዳ ሓሙሽተ ኮኾብ ነተን ኣብ መጻብቦ ቶረስ ዝርከባ ሓሙሽተ ዓበይቲ ደሴታት እዩ ዘመልክት ።
ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሪት ኣይስላንደር ተማሃሪ ሕጊ ቲረል ቪቲ ኣብ Thursday Island ተወሊዳ ዝዓበየ ኰይኑ ሕጂ ኣብ ታውንስቪል: ኲንስላንድ ይነብር ኣሎ ።
"እዚ ኣካል ባህላዊ መንነትና ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ" ይብል ። "ዓብዪ ክፋል ዛንታና እዩ ። ናይ ውክልና ስምዒት ክህልወካ እውን ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ። ብፍላይ ኣብ ውሑድ ማሕበረሰብ ኮይንካ ነዛ ሰንደቕ ዕላማ ትርእያ ፡ መን ምዃንና ፡ ናበይ ንኸይድ ከምዘለና ፡ ብኸመይ ፡ ድሕርቲ ኩሉ ካብ መግዛእቲ ዝሓለፈ ግፍዕታት ንቕድሚት ንሰጕም ከምዘለና እዩ ።
"ህዝብና ከም ህዝቢ ዘይኰነስ ፡ ከም flora ን fauna, እዩ ዝቝጸር ነይሩ ። ስለዚ ንዓይ እዛ ሰንደቕ ዕላማ ንገዛእ ርእሳ እያ ትዛረብ ። እዚ ከኣ ንህዝበይ ዝውክል ስለ ዝዀነ ፡ ከም ሰብ ክርአ ከም ዘሎኒ ኰይኑ ይስምዓኒ "በለ ።

ምስታ ባዴራ ምዕባይ ማለት እንታይ ይመስል?
በርናርድ ጅንየርን ታይረልን ኣብ ደሴት Thursday Island እዮም ዓብዮም ፣ ስድራ ቤታውን ባህልን ዝመልኡ ሒደት ግናኸ ዉዕዉዕ ማሕበረሰብ ከም ዘለዉ ድማ ገለጹ ።
ንቲረል ፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣካል መዓልታዊ ህይወትና እዩ ፦
"ኣብ ከም ኣብያተ-ፍርዲ ዝኣመሰለ ቦታታትን ኣብ ዓበይቲ ቦታታት መዓልታዊ ባንዴራታት ምርኣይ ፡ ካብ ቀንዲ መሬት ርሒቓ ካብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ዋላ እንተመጻእኩ ከም ዝረአ ዘለኹ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ። ኰይኑ ግና ፡ ኣብ ቀንዲ መሬት እታ ሃገር ፡ ሰንደቕ ዓላማይ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ኣተኹ ፡ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ጶስጣ ባንዴራይ ምስ ረኣኽዋ ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ተኸዲኖምዎ ዝነበሩ ክዳን ተኸዲነዮ ምስ ረኣዩኒ ፡ ልክእ ኸምቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ዘለዉ ሰባት ፡ ኣብኡ ብዙሕ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዘሎና ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ።
"እዚ ንዅላትና ኣካል ናይ ኣውስትራልያ ተቐማጦ ጥራይ እዩ ዝገብረና ፣ ብኸመይ ከም እንተሓሓዝን ንቕድሚት ከም እንጐዓዝን እውን እዩ ዝገብረና" በለ ።
በርናርድ ጁንየር ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኵሉ ቦታ ቅድሚ ምንባላ ንዝነበረ ህይወት ይዝክር እዩ ። ድሕሪ እቲ ብ1990 እተገብረ ውድድር ፡ ቀስ ብቐስ ኣብ ኵለን ደሴታት ክዝርጋሕ ከሎ ረኣየ ፣ ሎሚ ዋላ ኣብ ዘይተጸበዮ ቦታታት ይርእያ ኣሎ ።
ነታ ባንዴራ ኣበይ ንርእያ?
ሎሚ ፡ ሰንደቕ ዕላማ ቶረስ ስትረይት ኣይላንደር ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ትንብልበል ኣላ ። ካብ ኣፍደገ ኣብያተ-ትምህርቲ ፡ ዩኒቨርሲቲታት ፡ ኣባላት ፓርላማ ፡ ናይ ከባቢ ባይቶታትን ኣብያተ-ፍርድን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ባንዴራታት ኣቦርጂንን ኣውስትራልያን ብሓባር ከንበልብላ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ ።
ንቲለር፡ እዚ ሓያል መልእኽቲ እዩ ። ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ቤት-ፍርዲ ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖስታ ከምኡ "ውን ኣብ ክዳውንቲ ሰባት ምስ ዝርእዮ ፡ ተቐባልነት ከም ዝስምዖን ኣካል ናቱን ይገብሮ ።

በርናርድ ጁንየር እውን ነታ ናይ ቶረስ ስትረይት ኣይልናድ ሰንደቕ ዕላማ ካብ ገዛኡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ከተንበልብል ረኣያ ። ንሱ ሰነዳቱ ሒዙ ነታ ባንዴራ ጸይሩ እዩ ናብ ወጻኢ ሃገር ንፌስቲቫል ከይዱ ፡ ኣብ ለንደን ፡ ፓሪስን ኒው ዮርክን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣውስትራልያ ድማ ባንዴራኡ ረኣየ ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ፡ በርናርድ ጂንር ናብታ ኣብ Thursday Island ዝነበረ እዋን ቈልዕነቱ ብዝኽሩ ይመልሶ።
"ኣነ ኣብ ዝሃለኹ ይሃሉኹ ፡ ሰንደቕ ዕላማ ክርኢ ከለኹ ፡ ቍልዕነተይ ኣብታ ደሴት ኽዓቢ ከለኹ ፡ ነቲ ኵሉ ስእልታት ክስእል ከሎ ናይ ኣቦይ ሕቖ ይረኣየኒ ።"
እታ ባንዴራ ንዝመጽእ ወለዶ እንታይ ትርጉሙ እዩ ክህልዋ?
በርናርድ ጁንየር ፡ ቈልዑ ነቲ ኣብ ድሕሪ ታ ሰንደቕ ዕላማ ዘሎ ታሪኽ ፈሊጦም ክዓብዩ እዩ ዝደሊ ። ነታ ናይ ቆልዑ ድርሰት "Our Flag, Our Story" ምስ ቶማስ ማዮ ሓቢሮም እዮም ጽሒፎማ።
በርናርድ ጅንየር ንኣገዳስነት "Our Flag" ከምዚ ብምባል ይገልጽ: - "ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሙን ዕርቂ NAIDOC ብዙሕ ምንባብ ኣንቢበ እየ ። ኵሉ እቲ ካብ መምህራንን ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርትን ዝረኸብክዎ ርእይቶ ፡ እቶም ቈልዑ ነታ መጽሓፍ ምንባብ ብሓቂ ባህ ከምዝብሎም እዩ "በለ ።
"ባህላዊ መንነትና ኣፍልጦ ዝህብ ምእንቲ ኽንሕበን ፡ ጉዕዞን ንቕድሚት ንኽንምርሽ ዘተባባዕ ብምዃኑ ብኣና እተዳለወት ሰንደቕ ዕላማ ክትህልወና ኣዚዩ ጽቡቕ እዩ"ብምባል ታይል ይገልጽ ።
ሰንደቕ ዕላማ ናይ ቶረስ ስትሪት ኣይላንድ ክትርኢ ከለኻ ፡ ህያው ምልክት ናይ መሬትን ፡ ባሕርን ሰባትን ፡ ከምኡ "ውን ነቲ ሎሚ'ውን ኣብ ደሴታት ቶረስ መጻብቦ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራልያን መላእ ዓለምን ዝርከብ ባህልታት ኢኻ እትርኢ ዘለኻ ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au





