“ኣብ ካቶሊካዊት ቤ/ክ ዝፍጸመ ዝሎ ግህሰት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ‘ፍትሒ ይንገስ ጭቆና ይኣክል’ ዝብል ድምጺ ዓፊንካ ናብ ካልእ ንምጥምዛዝ እዩ።” ኣባ ስምኦን

Catholic church of Eritrea

Source: Asmara

“ ኢንፉዥን ተተኺልዎም ዝነበሩ ሕሙማት ካብቲ ማእከላት ጥዕና ከምዝፋነዉ ተጌሩ።” “እዚ ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስያን ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ ዓፈና እዩ።” ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደሩ ትካላት ጥዕና ብመንግስቲ ከምተወርሱን ኣብተን ትካላት ጥዕና ዝእለዩ ዝነበሩ ሕሙማት ነናብ ገዛኦም ከምዝተፋነዉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ሓበሬታ ክወሃብ ጸኒሑ ኣሎ። እታ ቤተ ክርስትያን ነዚ ተግባር ብጽሑፍን ብቓልን ግብረ መልሲ ሂባ፡ ካብ 25 ሰነ ክስብ 12 ሓምለ ድማ ናይ ጾምን ምህለላን ኣዊጃ ኣላ። ነዚ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ግህሰትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ጉዳይን ኣመልኪትና ካብታ ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ኣባ ስምኦን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ኣብዚ ብምጥዋቕ ድምጺ ክትሰምዑ ትኽ እሉ ኢኹም።



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now