ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ዝረኸቡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣሻሓት ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ከይኣትዉ ብምሽጋሮም ኣብ ሰንፈላል ወዲቖም ይርከቡ።

VISAS HUMANITARIAN RNF

Source: SBS

ብመንግስቲ ኣውስትራሊያ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ካብ ዝተዋህቦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ናብ ኣውስትራሊያ ናይ ምኻድ ፍቓድ ከምዝተኸልከሉ SBS ኒውስ ብዝረኸቦ ኣሃዛት ሓቢሩ ። ተጣበቕቲ ከምዝብልዎ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኣብ ዝርከብ ሓደገኛ ወጺእና ኢሎም ናብ ኣውስትራላኢያ ክ ኣትዉ ቪዛ ተዋሂብዎም ከብቅዑ ኣብ ኣውስትራሊያ ናብ ደሓን ዝኾነ ቦታ ንምእታው ግና ብነፋሪት ከይመጹ ተኸርዲኖም ይርከቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ፡ ተጣበቕቲ ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምኡ 'ውን ስድራቤት ናይቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ሰንፈላል ዝርከቡ ስደተኛታት ፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቶም ቪዛ ዝሓዙ ሰባትብፍሉይ ክ ኣትዉ ክገብር ኣለዎ ይብሉ ። ጸብጻብ



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now