Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ልዕሊ 25 ሽሕ ሓደስቲ ኣውስትራልያውያን ሚልየነራት ኣካል ናይ'ቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግሎባዊ ጉጅለ ሕብረተሰብ ሃብታማት ኮይኖም።

How can the prizes and competitions now available in Australia make you a millionaire?
How can the prizes and competitions now available in Australia make you a millionaire? Source: Pixabay

ስዊዘርላንዳዊ ባንክ ዩቢኤስ፡ ዓለማዊ ሃብቲ ካብ 2017 ንደሓር ብዝቐልጠፈ ናህሪ ሰፊሑ ክብል ደምዲሙ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብ’ዚ ተገሊጹ ኣሎ።


Published

Updated

By Yasmine Alwakal

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS


Share this with family and friends


ስዊዘርላንዳዊ ባንክ ዩቢኤስ፡ ዓለማዊ ሃብቲ ካብ 2017 ንደሓር ብዝቐልጠፈ ናህሪ ሰፊሑ ክብል ደምዲሙ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብ’ዚ ተገሊጹ ኣሎ።


ብስዊዘርላንዳዊ ባንክ ዩቢኤስ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ ዓለማዊ ሃብቲ (Global Wealth Report)፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝያዳ ሚልዮነራት ይቕልቀሉ ከምዘለዉ ክሕብር’ንከሎ ዘይምዕሩይነት ግን እናዓሞቐ ይኸይድ ኣሎ ይብል።

More than 25,000 Australians are new millionaires. They're part of a growing global group

ሕጂ ኣብ መበል 17 ሕታሙ፡ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ገለ ክፋል ኤውሮጳ፡ ኤስያ-ፓሲፊክ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ወሲኽካ ሃብቲ ኣብ መላእ ዕዳጋታትን ዞባታትን፡ ብኸመይ ይፍጠርን ይዝርጋሕን ይከታተል።

ብመሰረት ሓበሬታ ዩቢኤስ፣ ኣብ 2025 ዓለምና ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመታ ዝያዳ ዝሃብተመት ኮይና’ላ። ጠቕላላ ውልቃዊ ሃብቲ ብ10.8 ሚእታዊት ወሲኹ - ካብ’ቲ ኣብ 2024ን 2023ን ዝተረኽበ መጠን ልዕሊ ዕጽፊ ከይዱ።

ኣብ ዩቢኤስ ናይ ሓባር ፕረዚደንት ዓለማዊ ምሕደራ ሃብቲ ዝኾነ ኢቕባል ካን፡ ነዚ ወሰኽ ብምኽንያት "ዝተቐየሩ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ቴክኖሎጂካዊ ለውጥታትን ሓደስቲ ምንጪ ዕድላት ኣብ ኩሎም ዕዳጋታትን" እዮም ክብል ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ዶላር ኣሜሪካ ከም መዐቀኒ ተጠቒሙ ንብዝሒ ሚልዮነራት’ውን ይከታተል፣ (1 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ኣውስትራልያ’ዩ)። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሓደስቲ ሰባት 7 ኣሃዝ ዘለዎ ጽሩይ ሃብቲ ከም ዘኻዕበቱ ኣረጋጊጹ። እዚ ድማ ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ 2600 ሓደስቲ ሚልዮነራት ዝመጣጠን እዩ።

ኣሜሪካ ዳርጋ ፍርቂ ናይ’ዚ ዕብየት ዘቖመት ክትከውን’ንከላ፡ ልዕሊ 25 ሽሕ ኣውስትራልያውያን እውን ሓደስቲ ሚልዮነራት ኮይኖም።

ይኹን እምበር፡ ብብዝሒ ዝረአ ሃብቲ (ሚዲያን ዌልዝ) - ዩቢኤስ ብዝለዓለ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ብውሑድ ዝጽሎን "ዝያዳ ቅኑዕ ስእሊ ዝህብ ምዃኑ ዝፍለጥን" - ኣብ መብዛሕትአን ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ዝተኻተታ ሃገራት ምንቁልቋል ኣርእዩ።

ኣውስትራልያ ብሚዲያን ዌልዝ ብኣስታት 210 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ (302 ሽሕ ዶላር ኣውስትራልያ)፡ ድሕሪ ላክሰምበርግን ቤልጅምን ተሰሪዓ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ሳውል ኤስላክ ናጻ ስነ-ቑጠባዊ ምሁር ኮይኑ፡ "ኣብ መንጎ ማእከላይን ዝሃብተሙን ዘሎ ክፍተት ሃብቲ እናሰፍሐ” ይኸይድ እንተሃለወ’ኳ፡ ሃብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝያዳ ብማዕረ ዝተዘርግሐ’ዩ ኢሉ ይኣምን።

"ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ እቲ ማእከላይ ሃብቲ ስድራቤታት ልዕሊ 10 ዕጽፊ ናይ’ቲ ሚድያን ሃብቲ ስድራቤታት'ዩ። ስለዚ፡ እወ፡ ሃብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ማዕርነት ብዘይብሉ ወይ እንተወሓደ ብዘይማዕረ ዝተዘርግሐ’ዩ፡ ግን ከኣ ካብ ኣመሪካን ብዙሓት ካልኦት ዝመሳሰላ ሃገራትን ብውሑድ ዘይማዕርነት ዝተዘርግሐ’ዩ" ክብል ኤስላክ ይውስኽ።

ብድሕሪ እዚ ዕብየት ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ኣብ’ዚ መጽናዕቲ ከም ሚልዮነር ተመዲቦም ማለት፡ እቶም ሰባት ኣብ ባንክ ሚልዮናት ዶላራት ኣለዎም ማለት ኣይኮነን።

ዩቢኤስ ዋና ባዕሉ ዝነብሮ ኣባይቲ (ኣብኡ ክነብር ሓሲቡ ሓደ ሰብ ዝገዝኦ ኣባይቲ) ንመብዛሕትኦም ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ዝተኻተቱ "ተራ ሚልዮነራት” እቲ ሓደ ዝዓበየ ንብረት ዝውክል ምዃኑ ኣነጺሩ።

"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብዘይ ዝኾነ ጭቡጥ ወሰኽ ናይ’ቲ ንሃልኪ ዝጥቀሙሉ ኣታዊታቶም፣ ምውሳኽ ዋጋ ኣባይቲ ጥራይ፡ ንብዙሓት ሰባት ናብ ደረጃ ሚልዮነር ኣደይብዎም።" ይብል እቲ ጸብጻብ።

A view of Melbourne homes on a cul-de-sac from above.
Domain's recent FY2027 Forecast Report found the housing market has entered its ninth downturn in three decades. It also noted these downturns are followed by recovery, eventually pushing prices to a new high. Source: Getty / Ingrid Hendriksen

ይኹን እምበር፡ ሓደ ንብረት ምስ ዝሽየጥ (መስርሕ ዕድጊ ድማ ተፈጺሙ ምስ ዝውዳእ) ጥራይ እዩ እቲ ኣባይቲ ገንዘባዊ ሃብቲ ዘመንጩ። 

ኣብ ኣውስትራልያ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዋጋ ናይቶም ዋናታቶም ዝነብሩሎም ኣባይቲ ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዶመይን ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ዕዳጋ ኣባይቲ ይወርድ ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝሕብር።

እዚ ምንቁልቋል ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ኔገቲቭ ጊይሪንግን ግብሪ ኣብ መኽሰባት ካፒታልን (ካፒታል ገይንስ ታክስ) ዝገበሮ ለውጢ ኣብ ባጀት፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዓመት ዝወሰኽቶም ሰለስተ ተኸታተልቲ መጠን ወለዳትን ስዒቡ ዝመጸ’ዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ጾታ ወይ ዕድመ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ንዓለማዊ ሃብቲ ብኸመይ ይጸልውዎ ግን ኣይገልጽን።

'ተወሳኺ መኣዝን ኣብ ግድል ሃብቲ'።

ዩቢኤስ ነቲ ብጂኒ ኮፊሸንት ዝፍለጥ "ተወሳኺ ኣካል ኣብ ግድል ሃብቲ" ኢሉ ዝገለጾ'ውን ተንቲኑ። እዚ ንዘይማዕርነት ካብ ዜሮ (ሃብቲ ምሉእ ብምሉእ ብማዕረ ዝካፈለሉ) ክሳብ ሓደ (እቲ ዝሃብተመ ሰብ ኩሉ ሃብቲ ዝውንኖ) ኣብ ዝብል መለክዒ ሚዛን ይዕቅኖ።

ኣውስትራልያ 0.53 ጂኒ ኮፊሸንት ረኺባ - ካብ’ቲ ኣብ 2024 ዝነበረ 0.55 ዝተሓተ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ኣብ’ታ ሃገር ዘይማዕርነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጎዲሉ ማለት እዩ።

ኣውስትራልያ ብተወሳኺ ካብ 56 ሃገራት ኣብ መበል 52 ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ስሎቫክያ ኣብ’ቲ መጽናዕቲ እታ ዝወሓደ ዘይምዕሩይነት ሃብቲ ዘለዋ ኮይና ተረኺባ። ብኣንጻሩ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝለዓለ ዘይምዕሩይነት ሃብቲ ከምዘለወን ተረጋጊጹ።

እቲ ጸብጻብ፡ ጂኒ ኮፊሸንት "ናይ ገዛእ ርእሱ ኣእምሮ" ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣሚኑ።

"ሓንቲ ሃገር ሃብታም ኮይና ማዕርነት ዘይብላ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ግን ከኣ ሃብታምን ምሉእ ብምሉእ ማዕረት ዘለዋን ክትከውን ትኽእል እያ፡ ወይ ድማ ብኣንጻሩ።"


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now