ፈስቲቫል ጋርማ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝዓበየ ናይ ደቀባት ባህላዊ ምትእኽኻብ ኰይኑ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነም ላንድ እትርከብ ከተማ ኑሁሉንባ ይጐዓዙ ። ኣብ ጋርማ እንታይ ከም ዝኸውንን መን ኣብኡ ክርከብ ከም ዝኽእልን ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ ።
- ፈስቲቫል ጋርማ እንታ'ዩ?
- ፈስቲቫል ጋርማ ብኸመይ ጀሚሩ?
- ፈስቲቫል ጋርማ ኣበይ'ዩ ዝካየድ?
- ፈስቲቫል ጋርማ ንምንታ'ዩ ኣገዳሲ ኮይኑ?
- ኣብ ፈስቲቫል ጋርማ መን ክሳተፍ ይኽእል?
- ኣብ ፈስቲቫል ጋርማ እንታይ ንጥፈታት'ዩ ዝካየድ?
ፈስቲቫል ጋርማ እንታ'ዩ?
ፈስቲቫል ጋርማ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝዓበየ ባህላዊ ምትእኽኻብ ደቀባት ኰይኑ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነም ላንድ እትርከብ ከተማ ኑሁሉንባይ ።
እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ነሓሰ ዝኽበር ፈስቲቫል ፡ ዓመታዊ ን ኣርባዕተ መዓልቲታት ዝኽበር በዓል ዩሎኑ ባህሊ እዩ ።
ዮልኑ ካብ ህዝብታት ኣቦርጂን ኮይኖም፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነም ላንድ ን የልኑ ማቱ ዝነብሩ እዮም ፡ ጋርማ ዝብል ስያመ ድማ፡ "ክልተ መገዲ መስርሕ ትምህርቲ" ማለት እዩ ።
እዚ ኩሉ ሰብ ዘካፍሎ ፍልጠት ኣለዎ ዝብል ኣምር እዩ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጕጅለ ንኻልኦት ዝምህሩ: ሰባት ንሓድሕዶም ብምስማዕ: ሕቶታት ብምሕታትን እተፈላለየ ኣነባብራ ብምኽባርን ይመሃሩ እዮም ።
ኣብቲ ፌስቲቫል ባህላዊ ምርኢታት (ስነ-ጥበብ) ፣ ማኒካይ (ደርፊ) ፣ ከምኡ 'ውን ህቡብ ባንጉል (ሳዕስዒት) ይቐርብ።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ጋርማ ምስ ቀዳሞትማሕበረሰብ ሃገራት ዝዛመድ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፣ ፖለቲካውን ከባብያውን መደረታትን ክትዓትን ዝቐርበሉ መድረኽ እዩ ።
ፈስቲቫል ጋርማ ብኸመይ ጀሚሩ?
ብመናቱ ኣሕዋት ዶ/ር ዩንፒንግንጉ AC ን ዩቱ ይንዲ እትይ ኣብ 1999 ተጀሚሩ። ሓሳብ በዓል ጋርማ ዝመጸ ድማ ባህሊ ዩሉ ንምዕቃብ: ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ካብ ምድላይ እዩ መጺኡ ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝነበሩ ሽማግለታት ኣገዳሲ ባህላዊ ፍልጠት ይጠፍእ ምህላዉ ኣተሓሳሲብዎም ነበረ ። በዚ ድማ ጋርማ ባህላዊ ጥንካረን ፖለቲካዊ ምይይጥን ንምግባር ህዝቢ ዝእከበሉ ቦታ ክህሉ ካብዝብል ሓሳብ እዩ ተመስሪቱ ።
ኣብ SBS: ኣብ ፕሮግራም The Point ናይ NITV. ኣዳላዊ መደብ ጆን-ፖል ጃንከ ፡ "ቀንዲ ዕላማኡ ንዝተፈላለዩ ባህሊ ደቀባት ብዝርርብን ብጽምብል ባህሊ ዩሉኑን ንምትሕሓዝን ንምሕያልን እዩ" በለ ።
ፈስቲቫል ጋርማ ኣበይ'ዩ ዝካየድ?
እቲ በዓል ኣብ ጉልኩላ ዝበሃል ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣርነሀም ላንድ ሓሙሽተ ናይቲ ዞባ ቀቢላታት ባህላዊ መአከቢ ቦታ እዩ ዝካየድ: -ንሳቶም ድማ ጉማትጅ: ሪራትጂንግ: ደጃፑ: ጋልፑን ዋንጉሪን እዮ፣።
ንቀቢላ ጉማትጅ እዚ ጽምብላት ዝግበረሉ ቅዱስ ቦታ እዩ ።
ኣብ ባህሊ ዩልኑ፡ ጉልኩላ ፡ ጋንቡላፑላ ዝበሃል ኣቦሓጎ ፡ ንይዳኪ (ንጌሪዶው ተባሒሉ እውን ዝፍለጥ) ፡ ናይ ኣቦርጅናውያን መሳርሒ ንፋስ ናብ ዩሉ ከም ዘምጽአ እዩ ዝእመን ።
ሎሚ ፡ ጉልኩላ ዓመታዊ ኣኼባ እቲ በዓል ዝግበረሉ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ።
ፈስቲቫል ጋርማ ንምንታ'ዩ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ዳይረክተር SBS ቀዳሞት ህዝብታት ዝዀነት ታንያ ደኒንግ-ዖርማን ፡ ጋርማ ኣብ ዓለም ፍሉይ ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ ።
"ጋርማ ፍሉይ ቦታ እዩ ዘለዎ ፡ ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ ግን ከኣ ኣብዚ መአከቢ ቦታ እዚ ዝካፈሉ እውን ኣለዉ ። ስለዚ ፡ ንሓያሎ ኣማእታት ዓመታት ፡ ብምትሕብባር ዝግበር ዝርርብን ፖለቲካዊ ዝርርብን መደረን እዩ ዝካየደሉ "።
ፈስቲቫል ጋርማ፡ ያኦል ባህላዊ ፍልጠት ንምዕቃብ ፡ ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ብርታዐን ተጻዋርነትን ንምጽንባልን ድማ ዩ ዝተፈጥረ ።
ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዝመጹ ሰባት ፡ ካብ ሓድሕዶም ምእንቲ ክመሃሩ ፡ ናጻ ዝዀነ ሃዋህው ከም ዝህሉ ዝገብር እዩ ።
እዚ ፌስቲቫል እዚ ንብዙሓት ሰባት ፡ ኣብ ሃገሮም ግዜ ኸሕልፉን ካብ ባህላዊ መዕቀቢ ብቐጥታ ክመሃሩን ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም እዩ ።
ጐድኒ ጐድኒ እቲ ባህላዊ መደብ ፡ ብዛዕባ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደርን ዝበሃሉ ህዝብታት ዝምልከት ህዝባዊ ፖሊሲ ምይይጥ ዝግበረሉውን እዩ ።
ርእሰ-ውሳነ ሓደ ካብቲ ደቀባት ብዛዕባ ዝጸልዎም ጕዳያት ብቐጥታ ውሳነታት ባዕሎም ክገብሩ ኣብ ዝግበር ቀጻሊ መስርሕ ዘሎ እዩ ።
ኣብ ፈስቲቫል ጋርማ መን ክሳተፍ ይኽእል?
ሓደ ልሙድ ግጉይ ኣረኣእያ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ኣብ በዓል ጋርማ ንምርካብ ብዕድመ ጥራይ እዩ ዝብል'ዩ።
ናይ ዩቱ ዪንዲ CEO ፡ ደኒዝ ቦውደን ፡ ጋርማ ንዝዀነ ይኹን ሰብ እዩ። ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ማዕከን ዩቱ ዪንዲ ኣቢልካ ትኬት ብምዕዳግ ፡ ዅሉ ሰብ ክሳተፎ ዝኽእል እዩ ።
"The Yothu Yindi Foundation ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብ ምምዋል ጥራይ ዘይኮነ ፡ ብዙሕ ናይ ቲኬት መሸጣና ናብቲ ዞባ እዩ ዝምለስ ። ካብኡ እዮም ስነ-ጥበበኛታትና ዝኽፈሉ ። "
ዩቱ ይንዲ ፋውንዴሽን ካብ ኩሉ ወገን ንዝመጹ ፖለቲከኛታት ይዕድም ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ ኣውስትራሊያ ቀዳማይ ሚንስትር ተኻፊሉ እዩ ።
ተመራመርቲ ፡ መማህራን ፡ ተጣበቕቲ ፡ ስነ-ጥበባውያን ከምኡ "ውን ማሕበረ-ሰብ ትካላት እውን ይርከቡ እዮም ፣ ጋርማ ካብ ብዙሕ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዝካፈልዎ፡ ዝምድናታት ዝምስረተሉን ፖሊሲታት ዚመያየጡሉን ቦታ እዩ ።
ኣብ ፈስቲቫል ጋርማ እንታይ ንጥፈታት'ዩ ዝካየድ?
ጋርማ ንሓደ ካብ ጥንታውያን ባህልታት ዓለም ብዝበለፀ ንኽትርድኦ ዕድል ዝኸፍት እዩ።
ኣብ እዋን ቀትሪ ፡ ባህላዊ ዓውደ-መጽናዕቲ ይካየድ ፡ ኣጋይሽ ካብ ሽማግለታት መራሕቲ ዩሉል ማታ ፡ ስርዓተ-ቀቢላዊ ዝምድና ፡ ስነ-ጥበብ ፡ ደርፍን ካልእን ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም ።
ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ፡ እቲ ብንጉል ብጂዲዳኪ (didgeridoo) ተዓጂቡ ፡ ብቢልማ (ብበትሪ ምጥቓዕ) ን ብድምጺ መዛሙር ይልኑ ባህላዊ ምሸት ይግበር። እተፈላለዩ ቀቢላታት ድማ በብተራ ታሪኾም ይትርኹ ።
ይኹን እምበር ፡ ጋርማ ባህላዊ በዓል ጥራይ ከም ዘይኰነ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ ።
ኣብ መላእ ሃገር ንዚነብሩ ህዝብታት ይልኑ ካልኦት ደቀባትን ዝጸልውዎም ኣገደስቲ ጕዳያት ንምምይያጥን ንምክታዕን ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍት ።
ኣብ እዋን እቲ ፌስቲቫል ክልተ ኮንፈረንሳት ይካየዱ :
- ኣገዳሲ ፎረም: ብመራሕቲ ደቀባት ዝኾኑን ዘይኰኑን ዝካየድ ዋዕላ ፖሊሲ፡ ነቲ ናይቲ ዓመት ጋርማ ዛዕባ ዘንጸባርቕ ዘተ ይግበር ።
- ፎረም መንእሰያት: ዕድሚኦም ካብ ሸሞንተ ክሳብ 18 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ ፤ ካብ ከባቢ ሃገር ንዝመጹ ኣብያተ-ትምህርቲ ፍልጠት ንምክፋል ዝዓለመ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ዓውደ-መጽናዕትታትን ይካየዱ ።
እዚ ባህላዊ ንጥፈታትን ምይይጣትን "ዚ ፡ ፈስቲቫል ጋርማ ፍሉይ ምትእኽኻብ ባህሊ ፡ ትምህርትን መሪሕነትን ኣብ ሓደ ዝመጽሉ ዝገብር እዩ ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au





