ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝብዊ መጓዓዝያ ኣውስትራሊያ፡

Smiling young woman waits for bus on busy street in Sydney, enjoying time outdoors with friends

Public transport in Australia is used by people, of all ages, abilities and cultural backgrounds. Credit: South_agency/Getty Images

ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጓዓዓዚያ በቲ ዝሓሰረ መንገዲ ኣገልግሎት ጉዕዞ ዝግበረሉ ። እቲ ኣገልግሎት ናይ ትራም ፣ ናይ ኣውቶቡሳት ፣ ባቡራትን ናይ ጀላቡ ወይ ፈሪ ኣገልግሎታትን የጠቓልል ። ከምኡ 'ውን ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶርይ ናይ ባዕሉ ናይ መጓዓዝያ መርበብ ኣለዎ ። ይኹን "ምበር ንናይ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጎዓዚያ ብቕልል ዝበለ መንገዲ ምድህሳስ ኣብ ከመይ ከምዝሰርሕን እንታይ ከምዝጽበይን መሰረታዊ ነገራት ምፍላጥ የድሊ ።


መብዛሕትኦም ኣውስትራሊያውያን ብማኪና እዮም ንስራሕ ዝኸዱ ።

እዚ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዚ ካብ 1976 ኣትሒዙ ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ (ABS) ዘዳለዎ እዩ ።

ፕሮፌሰር ጆን ነልሰን ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ትካል መጓዓዝያን ሎጂስቲክን ዩኒቨርሲቲ ፡ ኣቦ መንበር ህዝባዊ መጓዓዝያ እዩ ።

ንሱ ኣውስትራሊያ ሰፋሕቲ ከተማታት ከምዝኾናን ኣብ መንጎአን ብዙሕ ርሕቀት ከምዝህልወንን ብናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ንናይ ገጠር ኣገልግሎት ምሃብ ከቢድ ከምዝገብሮ ይገልጽ ።

"ካብ ሲድኒ ክትወጽእ ከለኻ እውን እንተ ኰነ ፡ እቲ ገዛውቲ ኣዝዩ ተዘርጊሑ እዩ ዘሎ" በለ ።

ኣብተን ጻዕቂ ህዝቢ ዘለወን ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን ግን ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ገሊኦም ተጠቀምቲ ብእተፈላለየ መገዲ ቅልጣፈ ፡ ሕሱርን ኣድላይን እዩ ን ።

GettyImages-90421860.jpg
Compared to car ownership, including fuel and maintenance costs, public transport is the most affordable way to commute in Australia’s metropolitan cities. Credit: Getty/Scott E Barbour

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ናይ ባዕሉ ናይ መጓዓዝያ ኔትዎርክ ኣለዎ ፤ እዚ ዓበይቲ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ብናይ ስማርት ካርድ ስርዓተ ቲኬት ብዘይ ጥረ ገንዘብ ዝኽፈለሉ ኣገባብ እዩ ።

ኣብ ሕድሕድ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ርእሰ-ከተማ ንጥቀመሉ ናይ ቅድመ ክፍሊት ካርዲ:

ስማርት ካርድ ፡ ኣብ ጕዕዞ ቀሊል ከም ዝዀነ ፡ ፕሮፌሰር ኔልሰን ገሊጹ ኣሎ ።

ቅድሚ ሕጂ ዘይተጠቐምካሉ ኔርካ እንተ ኾይንካ ግና ፡ ነዚ ዝስዕብ ክትፈልጦ ኣሎካ ።

"መብዛሕትኡ ግዜ ፡ መጠን እቲ ክረዲት ካርድ እዩ ፣ ብኣግኡ ኣቐዲምካ ኸተራግፎን/ ወይ ዳውንሎድ ክትገብሮን ናብ ስርዓት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀመሉን ትኽእል ኢኻ ፣ እዚ ንኣውቶቡስ ፡ ባቡር ፡ ትራም ወይ ንፈሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ስም እዩ ዝርከብ ።

"Tap on tap off.ምግባር። ኣብ ካልእ መዳያት ከኣ ካርድ ዘንብብ ክፍሊት ክህሉ ይኽእል እዩ "ብምባል ፕሮፌሰር ነልሰን ይገልጽ ።

GettyImages-2186565614.jpg
To avoid a ‘card clash’ keep your public transport smart card separate from your bank card, ensuring you don’t get charged twice when tapping on the card reader. Credit: Getty/Yanran Li

ልሙዳት ካርዲታት ዝሓሰረ ዋጋ ንመንእሰያትን ጥሮታ ንዝኽፈሉ ሰባት ፤ oncession ኣብ ህዝባዊ በዓላት ከምኡ "ውን ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ንዝጉዓዙ ሰባት ፤ ከምኡ" ውን ንዕለታዊን ሰሙናዊን ኣገባብ ዋጋ ን ዘካተተ እዩ ።

ከከምቲ ናብ ትጉዓዘሉ ቦታ ንቲኬት ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ ። ንኣብነት ፡ ኣብ ወስት ኣውስትራልያ ጥረ ገንዘብ ክሳዕ ሕጂ ቅቡል'ዩ ኣሎ ።

እንተኾነ ግን ብናይ ባንክ ካርድኻ ንናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ምኽፋል ኣብ መላእ ሃገር ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ።

ኣካያዲ ስራሕ መጓዓዝያ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝዀነ ሃዋርድ ኮሊንስ ፡ "ክሳዕ ሕጂ ፡ ኵለን ግዝኣታትን ከተማታትን ከምኡ የብለንን ።

"ንኣብነት ኣብ NSW ግን 60% ካብ ኩሎም ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ'ናይ ባንክ ካርድኻ ምጥቃም ዝከኣል ኮይኑ' እዩ ።"

"ብዙሓት ሰባት ብክረዲት ካርድ ወይ ደቢት ካርድ ፡ ሓድሓደ ግዜ ሰዓቶም ወይ ተሌፎኖም ተጠቒሞም ይኸፍሉ እዮም ።"

ናይ ባንክ ካርድኻ ስካን ኣብ ትገብረሉ ናይ ቲኬት ቸክ ከተቐምጦ ከለኻ ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓላፊ ነቲ ናይ ክፍሊት ሓበሬታኻ ጥራይ እዩ ክርእዮ ዝኽእል

"ስለዚ ፡ ብዛዕባ ኣድራሻታት ወይ ካልእ ሓበሬታ ብዛዕባ ክረዲት ካርድኻ ኣይጭነቕን እዩ ።"

GettyImages-1360154406.jpg
Public transport offences include not acceptable behaviours when commuting, like putting your feet on the seat. Credit: Getty/zetter

እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ፡ ቲኬትን ናይ ድሕነት ተፍትሽን ክገብሩ ከለዉ ፡ ናይ ሲሲቲቪ ካሜራ ድማ ኣብ ዉሽጢ መጋዓዝያ ይኹን ኣብ መደበራት ተተኺለን ኣለዋ ።

ሰባት ንድሕንነት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ንሰራሕተኛታት ህዝባዊ መጓዓዚያ ምቕራብ ምትእምማን ክስመዖም ኣለዎ ትብል ሻርሎት ሃይስ ።

ንሳ ኣብ ወስተርን ኣውስትራሊያ ህዝባዊ ትራንስፖርት በዓል ስልጣን ናይ ካስቶመር ስትራተጂን ርክባትን ዋና ዳይሬክተር እያ ።

"እቶም ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታትና ክሕግዙ እዮም ኣብኡ ዘለዉ ።

"እስለዚ ጸረ-ሕብረተሰብ ጠባያት እንተ ርኢኻ ወይ ከኣ ዘይጥዑይ ጠባይ እንተ ኣጋጢሙካ ፡ ኬድካ ንሓደ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ኸተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ" ክትብል ገሊጻ ።

ናይ ህዝባዊ መጓዓዓዚያ ገበን ከም ግቡእ ትኬት ዘይምሓዝን ሕማቕ ጠባያትን ዘካተተ ኮይኑ መቕጻዕቲ ዘቕጽዕ እዩ።

ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ተግባራዊ ዝኾኑ ኣብነታት:

  • ብዘይ ብቑዕ ትኬት ምጉዓዝ ፡ ወይ
  • ናይ ኮንሰሽን ተጠቃሚ ምዃንካ መረጋገጺ ምስዘይተቕርብ
  • ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን
  • ኣእጋርካ ኣብ መንበር ምግባር

እንተተቐጺዕካን እሞ ዝተበደልካ ኮይኑ እንተዘይተሰሚዑካን ፡ ብመንገዲ ወኪል ህዝባዊ መጓዓዝያኻ ሕጋዊ ሓገዝ ክትሓትት ወይ ክትካታዕ ትኽእል ኢኻ ።

"ሓደ ጉጅለ ንዝተፈጸሙ ጌጋታት ዝርኢ ኣሎ ። ናብ ዌብሳይቲ ናይቲ ወኪል ብምእታው ብዛዕባቲ በደል ጥርዓን ክትሓትት ትኽእል። " ብምባል ሚስ ሃይስ ተብርህ ።

"ነቲ መቕጻዕቲ ኣብ ከብሕኻ ኣእቲካ ጥራይ ፡ ኣይትረስዓዮ።

"እቲ መቕጻእቲ እናገደደ ክኸይድ ስለ ዝኽእል ከምኡውን ንኽብርኻ ክጸልዎ ስለ ዝኽእል: መዘወሪ ፍቓድን ካልእ ረዚን ነገራትን ናይ ምርካብ ክእለትካ ከጉድሎውን ይኽእል እዩ ።"

ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጓዓዚያ ክትጥቀም እንከለኻ ዝውቱር ሕጊታትን ትጽቢታትን ፤

  • ንመራሒ ማኪና ዘይምርባሽ
  • ንእተሸገሩ ኮፍ መበሊ ምሃብ ፡
  • ቅድሚ ምድያብ ተጓዓዝቲ ካብ መጓዓዚ ክወጹ ምጽባይ
  • ከረጺት/ ዘንቢል ኣብ ኮፍ መበሊ ዘይምቕማጥ
  • ብርቱዕ ሽታ ዘለዎ መግቢ ኣይትብላዕ

ኣብ መላእ መርበብ መጓዓዝያ ኣውስትራልያ ንዝርርብናን ንሙዚቃናን ትሑት ምግባር ፡ ብሞባይላት ንገብሮ ዝርርብ ትሑት ክኾኑ ትጽቢት ይግበረሎም ።

ነቲ ቦታ ምኽፋል ማለት ፡ ነቲ ድምጺ ውን ምስ ኻልኦት ተጓዓዝቲ ምኽፋል ማለት ምዃኑ ኣይትረስዕ ።

"እዚ ቅጥዕታት እዚ እዩ እቲ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣገባብ ንኹሉ ሰብ ከምዝሰርሕ ዝገብር" ።

ኵሉ ግዜ ድማ ኣብቲ 'ኩዋየት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል መጓዓዝያ እንተ ኣሊኻ ኣረጋግጽ ፣ ብምባል ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፕሮፌሰር ኔልሰን ከምዚ ኢሉ ይምዕድ ።

'እዚ ማለት ፡ ዓው ኢልካ ምዝርራብ ፡ መልእኽቲ ቴሌፎን ምቕባል ማለት ኣይኰነን ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now